እንህቦም ኣገልግሎታት

ክንሕግዘኩምድሉዋት ኣለና!

ምኽሪ ንውልቀ ሰባት

እዚ መደብ ውልቃዊ ሓሳባትካን ስምዒታትካ ብምምርማርን ብምርዳእን ውሑስ ሃዋህው ብምፍጣር ንብድሆታት ሂወት ንምምካትን ኣእምራውን ስምዒታውን ጥዕና ኣብ ምህናጽ ክሕግዘካ ይኽእል።

ምኽሪ ንሰብ ሓዳር

ሓደ ቛንቋ እንዳ ተዛረብካ ምርድዳእ ትስእነሉ ግዜ ኣሎ ኣብ ሓዳር። እንዳ ተፋቐርካ ምጽውዋር ትስእነሉ እዋን ውን ውሑድ ኣይኮነን። ሕልምኻ፣ ራኢኻ፣ ዓቕልኻ ተጸንቂቑ ሰላምን ስኒትን ቤትካን ኣብ ዘይተላልየሉ እዋን ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ንባዕለይን ንኩነታተይን ክቕይሮምን ክምለኮምን እደሊ ኢየ ኣብ እትብለሉ እዋን እዚ መደብ ምርኩስ ክኾነካ ይኽእል ኢዩ።

ምኽሪ ንስድራቤት

ዝዓበኻሉ ባህልን ልምድታትን ምስ ሓደሽቲ ትጽቢታትን ሕግታትን ክጋጨዉ ከለዉ፡ ወጥሪ ክልዓል ልሙድ ኢዩ። ነዚ ንምውጋድ ድማ እዚ መደብ ኣብ ውሽጢ እታ ስድራቤት ዘሎ ናይ ዝርርብ ብቕዓት ብምምሕያሽ ካብ ሕሉፍን ህሉውን ሓናፊጽካ ንጹርን ብሩህን መጻኢ ኣብ ምምስራት ጥበብ ኣብ ምፍጣር ይሕግዘኩም።

ስልጠና ንወለዲ

ካብ ውሽጣዊ ሓይሊ ናይ ወለዲ ብምብጋስ ኣብ መንጎ ወለዲን ውላድን ዘሎ ርክባትን ዝምድናታትን ብምጽጋን ብርእሰ ትኣማንነት ነቶም ዝገጥሙኻ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ዘድልየኩም ከነስንቐኩም ተቐሪብና ኣለና።

ምኽሪ ብዛዕባ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ከም ሰራሕተኛታት ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ጉዳያት መጠን ካብ ትዕዝብትናን ተመኩሮናን ተበጊስና ኣብ መንጎ ሓደሽቲ መጻእትን እዚ ቤት ጽሕፈት ዘሎ ጋግ ንምጽባብ እዛ ትካልና ናይ ቋንቋ ይኹን ናይ ርድኢት ወይውን ናይ ድሕሪ ባይታ ፍልልያት ብምጽናዕ ሓንቲ ስድራቤት እትጥርነፈሉን እትማሙቕሉን መንገዲታት ኣብ ምንዳይ ንትሓባብር።

ስልጠናታትን ዎርክሾፓትን

ዝተፈላልየ ኣስተምህሮታት ብዛዕባ ኣእምራዊ ጥዕና፣ ወላዲነት፣ ሓዳርን ስድራቤትን፣ ብድሆታት ስደትን ኣፈታትሕኡን፣ ምውህሃድ ምስዚ ሓድሽ ሕብረተሰብ፣ ተራ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጽልውኡን። ነዚኦምን ከምኦም ዝኣመስሉ ኣገደስትን ጠቐምትን ኣርእስትታት ኣልዒልና ኣስተምህሮ ንህብ።

ነጻ ናይ 10 ደቒቕ ምኽሪ ንህብ!

ርኸቡና!

እንህቦም ኣገልግሎታት

ምኽሪ ንውልቀ ሰባት
ምኽሪ ንውልቀ ሰባት

እዚ መደብ ውልቃዊ ሓሳባትካን ስምዒታትካ ብምምርማርን ብምርዳእን ውሑስ ሃዋህው ብምፍጣር ንብድሆታት ሂወት ንምምካትን ኣእምራውን ስምዒታውን ጥዕና ኣብ ምህናጽ ክሕግዘካ ይኽእል።

ምኽሪ ንሰብሓዳር
ምኽሪ ንሰብሓዳር

ሓደ ቛንቋ እንዳ ተዛረብካ ምርድዳእ ትስእነሉ ግዜ ኣሎ ኣብ ሓዳር። እንዳ ተፋቐርካ ምጽውዋር ትስእነሉ እዋን ውን ውሑድ ኣይኮነን። ሕልምኻ፣ ራኢኻ፣ ዓቕልኻ ተጸንቂቑ ሰላምን ስኒትን ቤትካን ኣብ ዘይተላልየሉ እዋን ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ንባዕለይን ንኩነታተይን ክቕይሮምን ክምለኮምን እደሊ ኢየ ኣብ እትብለሉ እዋን እዚ መደብ ምርኩስ ክኾነካ ይኽእል ኢዩ።

ምኽሪ ንስድራቤት
ምኽሪ ንስድራቤት

ዝዓበኻሉ ባህልን ልምድታትን ምስ ሓደሽቲ ትጽቢታትን ሕግታትን ክጋጨዉ ከለዉ፡ ወጥሪ ክልዓል ልሙድ ኢዩ። ነዚ ንምውጋድ ድማ እዚ መደብ ኣብ ውሽጢ እታ ስድራቤት ዘሎ ናይ ዝርርብ ብቕዓት ብምምሕያሽ ካብ ሕሉፍን ህሉውን ሓናፊጽካ ንጹርን ብሩህን መጻኢ ኣብ ምምስራት ጥበብ ኣብ ምፍጣር ይሕግዘኩም።

ምኽሪ ብዛዕባ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት
ምኽሪ ብዛዕባ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት

Designation

ከም ሰራሕተኛታት ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ጉዳያት መጠን ካብ ትዕዝብትናን ተመኩሮናን ተበጊስና ኣብ መንጎ ሓደሽቲ መጻእትን እዚ ቤት ጽሕፈት ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ዓሊምና ንሰርሕ። እዛ ትካልና ናይ ቋንቋ ይኹን ናይ ርድኢት ወይውን ናይ ድሕሪ ባይታ ፍልልያት ብምጽናዕ ስድራቤት እትጥርነፈሉን እትማሙቕሉን መንገዲታት ኣብ ምንዳይ ብሓባር ምሳኹም ክትቃለስ ኢያ።

ኣብ ህይወት ንዝገጥሙኹም ብድሆታት ንምፍታሕን ውልቃውን ዝምድናውን ርክባትኩም ንምዕባይን ሞያዊ ምኽርን ስልጠናታት ንህብ። ሂወትካ ምምላኽን ምቕያርን ኣብ ምርጫኻ ይምርኮስ።

© 2025 ኑዌላ ስድራቤታዊ ምኽርን ስልጠናን ማእከል– ምሉእ መሰል ዝተሓለወ | ኣዳላዊ- ኑዌላ