ሓደ ካብቲ መሰረታውያን እምንቶና ዝኾነ ውልቀሰብ ጉዳዩን ኩነታቱን ክመልኽን ክፈትሕን ዝኽእል ብዓል ምሉእ ዓቕሚ ምዃኑ ኢዩ። ብውልቂ ይኹን ብስድራ ወይ ውን ብሕብረተ ሰብ ደረጃ ንኽገጥሙኻ ዝኽእሉ ብድሆታት ንኽትምክቶም ዘድልዩኻ መሳርሒታት ኣብ ምምማይን ምውናንን ኣበርክቶና ክንገብር ንጽዕር።
ኩሉንትናዊ ኣጠማምታ ብምጥቃም ግዝያውን ፍቱንን ብመጽናዕቲ ብዝተደገፉ ኣገባባት ምስ ርህራሄን ምቹእ ሃዋህውን ብምትሕንፋጽ እቲ ክትኮኖ እትደልዮን ክትጓናጸፎ እትምነዮን ዓወታት ንምውናን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ከነሰንየካ ድልዋት ኢና።
ምዝርጋሕ ፍልጠት
ፍልጠት መሰረት ለውጢ ኢዩ እሞ ብዛዕባ ውልቃዊ፣ ስድራቤታዊ ከምኡ ውን ማሕበራዊ ጉዳያት ዝምልከቱ ሓበሬታን ፍልጠን ንኹሉ ክፈልጥ ዝደሊ ብምዝርጋሕ ናይ ምዕባለን ለውጥን ዕድላት ንምፍጣር።
ምብርታዕ ውልቀሰባት
ውልቃዊ ሓሳባትኩምን ስምዒታትኩምን ብምምርማርን ብምርዳእን ንብድሆታት ሂወት ንምምካትን ኣእምራውን ስምዒታውን ጥዕና ኣብ ምህናጽ ንምሕጋዝ።
ምሕያል ስድራቤት
ስድራቤት ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ምንጭታት ጥዕና፣ ዕብየትን ውሕስነትን ስለ ዝኾነት ኣገዳስነት ሓያልን ጽንዕትን ስድራቤት ኣብ ምህናጽ ተካእቲ ወለዶ ዓቢ ምዃኑ ኣሚና ብፍሉይ ምስ ስድራቤት ክንሰርሕ መሪጽና።
ጽኑዕ ሓዳር ምህናጽ
ጽኑዕ ሓዳር ይውሃበካ ዘይኮነስ ይህነጽ ኢዩ ዝብል እምንቶ ስለ ዘለና ንመጻምድቲ ዘድልዮም ዕጥቂ ብምስናቕ ከይትሓለሉ ምዓልታዊ ኣብ ምጽባቕ ሓዳሮም ክንድግፎም ንጽዕር።
ኩሉንትናዊ ምሉእ ጥዕና
ስምዒታዊ፡ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራውን መንፈሳውን ጥዕናኹም ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ብምብጋስ ድማ ሚዛናውን ምዕሩይን ሂወት ንኽትነብሩ ንሕግዘኩም።
ህይወት ክትትሓላለኽ ትኽእል ኢያ፣ ጸቕጢ ጭንቀት ይፈጥር፡ ዝምድናታት ይልሕልሑ፡ ነገራት ድማ ልዕሊ ዓቕምኻ ኮይኖም ክስምዕኻ ይኽእሉ ኢዮም። ናትና ተራ ድማ ጠቕምቲ ዝኾኑ መሳርሒታት ብምስናቕ ሓዳ ብሓደ ነቲ ሕልኽላኻት ናይ ሂወት ንምፍትሑን ንምብድሁን ኢዩ። ኣብ ዝወሰንካሉ እዋን ሓገዝ ኣሎ።
Evidence-based therapy for improving family relationships and resolving conflicts.
Focuses on strengthening emotional bonds and creating secure connections in couples.
Helps individuals and families embrace challenges while aligning with core values.
Evidence-based training focusing on practical techniques to help individuals and families identify, challenge, and modify unhelpful thought patterns and behaviors. Provides tools to manage emotional distress and improve relationships.
Comprehensive training in social work with a focus on psychology, sociology, and social law—equipping professionals to support individuals and families across diverse life circumstances.
ኣብ ህይወት ንዝገጥሙኹም ብድሆታት ንምፍታሕን ውልቃውን ዝምድናውን ርክባትኩም ንምዕባይን ሞያዊ ምኽርን ስልጠናታት ንህብ። ሂወትካ ምምላኽን ምቕያርን ኣብ ምርጫኻ ይምርኮስ።
© 2025 ኑዌላ ስድራቤታዊ ምኽርን ስልጠናን ማእከል– ምሉእ መሰል ዝተሓለወ | ኣዳላዊ- ኑዌላ