ብዛዕባና

ልዕሊ 10 +

ዓመታት ተመክሮ ኣብ'ዚ ዓውዲ

ብዛዕባና

ርህራሄ ብዝመልኦ ምኽሪ፣ ህይወት ሰባት ምቕያር!

ሓደ ካብቲ መሰረታውያን እምንቶና ዝኾነ ውልቀሰብ ጉዳዩን ኩነታቱን ክመልኽን ክፈትሕን ዝኽእል ብዓል ምሉእ ዓቕሚ ምዃኑ ኢዩ። ብውልቂ ይኹን ብስድራ ወይ ውን ብሕብረተ ሰብ ደረጃ ንኽገጥሙኻ ዝኽእሉ ብድሆታት ንኽትምክቶም ዘድልዩኻ መሳርሒታት ኣብ ምምማይን ምውናንን ኣበርክቶና ክንገብር ንጽዕር።

ኩሉንትናዊ ኣጠማምታ ብምጥቃም ግዝያውን ፍቱንን ብመጽናዕቲ ብዝተደገፉ ኣገባባት ምስ ርህራሄን ምቹእ ሃዋህውን ብምትሕንፋጽ እቲ ክትኮኖ እትደልዮን ክትጓናጸፎ እትምነዮን ዓወታት ንምውናን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ከነሰንየካ ድልዋት ኢና።

ዕላማ

ምምስራት ናይ'ዛ ትካል

ምዝርጋሕ ፍልጠት
ፍልጠት መሰረት ለውጢ ኢዩ እሞ ብዛዕባ ውልቃዊ፣ ስድራቤታዊ ከምኡ ውን ማሕበራዊ ጉዳያት ዝምልከቱ ሓበሬታን ፍልጠን ንኹሉ ክፈልጥ ዝደሊ ብምዝርጋሕ ናይ ምዕባለን ለውጥን ዕድላት ንምፍጣር።

ምብርታዕ ውልቀሰባት
ውልቃዊ ሓሳባትኩምን ስምዒታትኩምን ብምምርማርን ብምርዳእን ንብድሆታት ሂወት ንምምካትን ኣእምራውን ስምዒታውን ጥዕና ኣብ ምህናጽ ንምሕጋዝ።

ምሕያል ስድራቤት
ስድራቤት ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ምንጭታት ጥዕና፣ ዕብየትን ውሕስነትን ስለ ዝኾነት ኣገዳስነት ሓያልን ጽንዕትን ስድራቤት ኣብ ምህናጽ ተካእቲ ወለዶ ዓቢ ምዃኑ ኣሚና ብፍሉይ ምስ ስድራቤት ክንሰርሕ መሪጽና።

ጽኑዕ ሓዳር ምህናጽ
ጽኑዕ ሓዳር ይውሃበካ ዘይኮነስ ይህነጽ ኢዩ ዝብል እምንቶ ስለ ዘለና ንመጻምድቲ ዘድልዮም ዕጥቂ ብምስናቕ ከይትሓለሉ ምዓልታዊ ኣብ ምጽባቕ ሓዳሮም ክንድግፎም ንጽዕር።

ኩሉንትናዊ ምሉእ ጥዕና
ስምዒታዊ፡ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራውን መንፈሳውን ጥዕናኹም ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ብምብጋስ ድማ ሚዛናውን ምዕሩይን ሂወት ንኽትነብሩ ንሕግዘኩም።

ዕላማና ብኽኢላታት ዝውሃብ ምኽሪ ተጠቒምካ ንውልቃውን ዝምድናውን ርክባትኩም ንምድንፋዕን ንምብልጻግን ኢዩ።

ኣብ እትደልዩና ግዜ ቅንዕናን ሓልዮትን ሓዚልና ኣብ ጎንኹም ኣለና!!

ህይወት ክትትሓላለኽ ትኽእል ኢያ፣ ጸቕጢ ጭንቀት ይፈጥር፡ ዝምድናታት ይልሕልሑ፡ ነገራት ድማ ልዕሊ ዓቕምኻ ኮይኖም ክስምዕኻ ይኽእሉ ኢዮም። ናትና ተራ ድማ ጠቕምቲ ዝኾኑ መሳርሒታት ብምስናቕ ሓዳ ብሓደ ነቲ ሕልኽላኻት ናይ ሂወት ንምፍትሑን ንምብድሁን ኢዩ። ኣብ ዝወሰንካሉ እዋን ሓገዝ ኣሎ።

0 +

ዕጉባት ዓማዊል

0 +

ዓመታት ተመኩሮ

0 +

ዝተመኸሩ ወለዲ

0 +

ዝተመኸሩ ውልቀ ሰባት

ትምህርታዊ ድሕሪ ባይታና

  • Functionell Familjeterapi (FFT)

    Evidence-based therapy for improving family relationships and resolving conflicts.

  • Emotionally Focused Couples Therapy (EFT)

    Focuses on strengthening emotional bonds and creating secure connections in couples.

  • Acceptance and Commitment Therapy (ACT)

    Helps individuals and families embrace challenges while aligning with core values.

  • Basic Psychotherapy Training with Specialization in CBT (Cognitive Behavioral Therapy)

    Evidence-based training focusing on practical techniques to help individuals and families identify, challenge, and modify unhelpful thought patterns and behaviors. Provides tools to manage emotional distress and improve relationships.

  • Bachelor of Social Work

    Comprehensive training in social work with a focus on psychology, sociology, and social law—equipping professionals to support individuals and families across diverse life circumstances.

ኣብ ህይወት ንዝገጥሙኹም ብድሆታት ንምፍታሕን ውልቃውን ዝምድናውን ርክባትኩም ንምዕባይን ሞያዊ ምኽርን ስልጠናታት ንህብ። ሂወትካ ምምላኽን ምቕያርን ኣብ ምርጫኻ ይምርኮስ።

© 2025 ኑዌላ ስድራቤታዊ ምኽርን ስልጠናን ማእከል– ምሉእ መሰል ዝተሓለወ | ኣዳላዊ- ኑዌላ